መገዲ ህይወት channel logo መገዲ ህይወት
  • Custom URL: @keshi_yonas
  • Country: Sweden 🇸🇪

  • YouTube channel type
  • Audience: 1.47K
  • Video Views: 108.49K
  • # videos: 182
  • Estimated Earnings: $27 - $432
  • Category: Religion Society
  • Date Created: 2012-06-05
  • Date Updated: 2024-07-16
Audience activity: 73
Views per video: 596
Keywords: ቀሺ ዮናስ፣ ተዋህዶ፣ ኤርትራ፣ መገዲ ህይወት፣ Keshi Yonas Tewahdo Eritrea


እታ ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሰ መኣዝና ዝኾነት እምነት፡ ካብቲ ዝተሃንጸትሉ ምህሮ ነብያትን ሃዋርያትን ንየማን ኮነ ንጸጋም ከይትዘብል ንምሕላው ናይዛ ብርዒ እዚኣ መሰረታዊ ዕላማ እዩ። መሰረተ እምነት ደኣ ንልምድን ባህልን ሕብረተሰብ ይቕይር እምበር፡ ልምድን ባህልን ንመሰረተ እምነት ክቕይሮ ከምዘይግባእ ትጣበቕ። እቲ ነብያት ዝተነበይዎ፡ ጐይታና ኢየሱስ ድማ ብግብሪ ዘርኣየና ህይወት፡ ኣቦታትና ሃዋርያት ከኣ ዝሰበኽዎ ምህሮን እምነትን ክርስትና ከምዘለዎ ተዓቂቡ ክቕጽል ምእንቲ፡ ስለ ሓቂ ንሱ ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ንበይኑ መድሕን ዓለም ምዃኑ ንምምስካር ደው ክትብል ዝመረጸት ብርዒ እያ። ንምእመናን መንፈሳዊ ምዕዶ፡ ትምህርትን መጠንቀቕታን ንምሃብ፡ እዋናውን ኣገዳስን ዝበለቶም ዛዕባታት ብምምራጽ ንኣንበብታ ተቕርብ። ንእምነትን ናብራን ብዝምልከት ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐርብ ሕቶ ንምምላስ ትጽዕር፡ ኣብ ምምዕባል ስነጽሑፍ ትግርኛ ድማ በዚ መዳይ እዚ ብዝዓቕማ ፍሉይ ቅዲ ኣጸሓሕፋን ኣዘናትዋን ንምስፋሕ ትጽዕር። ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ፡ ንሕና ባሮቱ ድማ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና!