እዚ ቻነል እዚ ብፍሉይ መንፈሳዊ ተበግሶ ክቡር ካህና ኣባ ተወልደ መብራህቱ ዝተመስረተ ኮይኑ፣ ነቶም ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ተዘርጊሖም ዘለዉ ካቶሊካውያን ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ውን ንኹሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ፣ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤት ዝሕግዝ ትምህርታትን፣ ናይ ጸሎትን ትምህርቲ ቃል ኣምላኽን፣ ከምኡን ውን መንፈሳዊ መዛሙር ብምፍራይ ዘገልግል ምንፈሳዊ ቻነል ኢዩ። በዚ ቻነል ዝግልገሉን ከገልግሉ ንዝደልዩን ክፉት ባይታ ንካቶሊካውያን ምንእሰያት ውን ኢዩ። ስለዚ ኣብዚ ቻነል እዚ ኩሉ ካቶሊካዊ ምእመን በዓል ጽቡቕ ድላይ፣ ብዘለዎ መንፈሳዊ ጸጋታቱ ንእገልግሎት ኣሕዋትን፣ ንህንጸት ቤተክርስትያንን፣ ንስፍሓት ወንጌልን ብነጻነት ዘገልግለሉን ዝግልገለኡን ናይ ክትስቲያናዊ ሕይወት መኣዲ ኢዩ። ንኹልኹም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ነዚ ቻነልና ምሕጋዝ ንትደልዩ በረኸትኩም ይብዛሕ እናበልነ፡፡ በዚ ናይ Paypal ኣድራሻና ክትጥቀሙ ብኣኽብሮት ንሕብር፡፡ https://www.paypal.me/casministry