Rufta Lbey channel logo Rufta Lbey
  • Custom URL: @ruftalbey
  • Country: Switzerland 🇨🇭

  • YouTube channel type
  • Audience: 49.6K
  • Video Views: 6.43M
  • # videos: 426
  • Estimated Earnings: $1.61K - $25.71K
  • Category: Entertainment Religion Society
  • Date Created: 2019-11-04
  • Date Updated: 2024-06-24
Audience activity: 129
Views per video: 15.09K
Audience growth speed: 28
Keywords: መንፈሳዊ ስነ-ጽሑፍ መንፈሳዊ ግጥሚ መልሲ ንሕቶታትኩም ሓቀኛ ዛንታ መንፈሳዊ ዛንታ ሩፍታ ልበይ


በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!! እንቃዕ ብሰላም ናብ መንፈሳዊ ቻነል ሩፍታ ልበይ መጻእኩም። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ቻነል ድማ፤ ነታ ብደም እቲ ርእሰ-እብነ መኣዝን ዝኾነ ክርስቶስ ተመስሪታ፥ ብሃዋርያት ተሰቢኻ፥ ብደም ቅዱሳን ሰማዕታት ጸኒዓ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታትና ዝተረከብናያ ቅድስት ሃይማኖት፥ ሕጋን ስርዓታን ብምሕላው፥ ምንም ነገር ከየጕደለት ብዝግባእ፤ ንኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን፥ መንፈሳዊ በረኸትን ትምህርትን ንምትሕልላፍ ኢዩ። "ብመዝሙርን ብቅኔን ብመንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተዛራረቡ ንጎይታ ብልብኩም እናዜምኩምን፡ እናዘመርኩምን ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦና ስለ ኩሉ ነገር ብስም ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ሳዕ ኣመስግንዎ"። ኤፎ 5፥19-20 ንዕብየትና ዝኾውን ርእይቶ ምስ ነቀፌታ ክትጽሕፉልና ብትሕትና ንሓትት። ነቲ ሓጥያትና ጸይሩ፡ክንወድቅ እናልዓለ፡ክንጉብጥ እንቅነዐ ዝጋስየና ልዑል እግዚኣብሔር ናይ ኣምልኾ ምስጋና ይብጽሓዮ። ነታ ዘይጽወር ዝጸረት፡ምኽንያት ድሕነትና ዝኾነት ድንግል ማርያም ናይ ጸጋ ምስጋና ይብጽሓያ። እዚ መንፈስ ቅዱሳዊ ዕላማ ዕዉት ንምዃን ድማ፥ ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ረድኤት፥ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነትን ናይ ቅዱሳን ጸሎትን በረኸትን ኣይፈለየና። ኣሜን Email- Kibrom.debesay24@gmail Tele- 0041762503069